top of page
Search

ዕግበት ተሳኢኑ




ዕግበት ተሳኢኑBy ሙስጦፋ ዳውድ


ዕግበት ተሳኢኑ


እንጀራ ቃተኛ ፒዛሃት ሃገረይ

ኮሮንሾ ፍለክስ ተመርጸ ድራረይ

ኢድ ሰብ ዘይተጠምት ሽሮ መናብርተይ

ኣሕምልቲ ፍሩታ ሃናጽ ሰውነተይ


ብኸም'ዚ ኣሕሊፋቶ ጽፍፍቲ ሂይወተይ

ናብራ'ኳ ቀሊል'ዩ ከማርጽ ኢለ'ምበር

ጣይታኻ ዘርጊሕካ ጨው ነስኒስካ ይሕደር

ካብ ረሃጽና ንብላዕ ንቃለስ ብሓቦ

ገጽ ሰብ የሰክፍ'ዩ ቆላሕታ ኣይንሃቦ


ኣንጊህካ ተበገስ ጎይታኻ ኣሚንካ

ቤተ ሰብ ጎሮቤት ዳሃይ እናፈሊጥካ

ዘይሓስብ እንስሳ ኣብነት ይኹንካ

ጠሚኻ ኣይሕደርን ሰበብ ተጠቂምካ


ሂይወትካ ሓጻር'ያ ዓቕልኻ ኣይተጻብብ

ንግሆ ምስ በረቀት ሃንደበት ተዓርብ

ስንቅሓ እንተ ሒዝካ ንሎሚ ዘስግር

ጥዕና ለምኖ ጽባሕ ንኽትነብር


ሎሚ'ያ ሂይወትካ ፍሕትርትር በለላ

ብጽባሕ ኣይትጨነቅ ውሕስነት ዘይብላ

ምትላም ኣይጽላእ ድልየትካ ኣማሊእካ

ምውህላል ቁኑዕ'ዩ ተረፍ እንተለካ


ብንዓይ ንበይነይ ስምዒቱ ኣርሲኑ

ከባቢ ዝጎድእ ሃልሃልታ ህርፋኑ

ዘይፍቶ ባህሪ'ዩ ዘሕለፈ መጠኑ

ስሰዐ ዝፍውስ ዕግበት ተሳኢኑ


ብሎሚ ዓጊብካ ንጽባሕ ተተስፎ

ሰዓታት ደስታኻ ብከንቱ ኣይተሕልፎ

ጉቡእካ ስሪሕካ ናብ ጎይታ ግደፎ

ኣብ ጭንቀት ከይኣቱ ኣእምሮኻ ኣዕርፎ


ክሳብ ዕለተ ሞት ዓለም ኣይትጽገብ

ኣለኹ እናበልካ ብሓመድ ትድብደብ

ንረጋጋእ እምበር በቲ ዝተረኽበ

ዕግበት ኣተግቢርና ዝያዳ ንጸበ


እምብዛ ኣይንጨነቅ ንሓላፊት ዓለም

ዝምንጥል ሰብ የለን ተጻሕፈ ብቀለም

ጸበባ ከጋጥም ብዙሕ ኣይንገረም

ፈተነ'ዩ ኩሉ ንጻወር ንጸመም

ሰብ ጎዶሎ'ዩ ፍጡር ብምኻኑ

ብሓወይ ሓፍተይ'ዩ ዝመልኦ ሚዛኑ

ምሉእነት የለን ዘየለ ኣይንዳህስስ

ጥዕና ምስኣን'ዩ ሓጎስ ሰብ ዝድምስስ


ፍቅሪ ገንዘብ ሕሱም ዘዋርድ ክብርኻ

ካብ ኢድካ ሓሊፉ 'ተኣትዩ ኣብ ልብኻ

ውሽጥኻ ኣበላሽዩ ጨውዩ ጥዕናኻ

ጣዕስኡ መሪር'ዩ ቀብሪ ምስ ኣተኻ


ዕድለኛ ወራሲ'ዩ ዝተርፍ ድሕሬኻ

ንኻልኦት ኮይኑ ድኻምካ ጻዕርኻ

ሎሚ ተበራበር ብሂይወት ከለኻ

ዳሕራይ ከይትነብዕ ኣብ ጉድጏድ በይንኻ

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating

Get in Touch

Contact us for more information or any suggestions.

123-456-7890

  • Facebook
  • Twitter
  • LinkedIn
  • Instagram

Terms & Conditions

Privacy Policy

Contact us

bottom of page