ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር ኣብ ንብረትን ገንዘብን ወዘተግሉጽነት ክህሉ ጥቕሙ’ዶ ይመዝን ጉድኣቱ ?
- Editor
- Jan 5
- 3 min read

ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ጉሉጽነት ምስ ዝህሉ ጥራሕ'ዩ ዕውት ሓዳር ክምስረት ዝካኣል ዝብል ርእይቶ ጸብለል ዝበለ ኮይኑ እንተተራእየ'ውን : ኣብ'ዚ መደምደምታ ንምብጻሕ ግን ሓያሎ መሰናኽል ክስገር ከም ዘለዎ'ውን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓቢሮም'ዮም : ወዲ ሰብ ተፈላለየ ተፎጥራዊ ጠባያትን ባህሪያቱን ዘለዎ ስለ ዝኾነ ከም ንኣብነት ሩህሩህ : ለጋስ : ትዕግስተኛ ንሰብ ኼር ዝፍቱ :እሙን : ሙሳምሕ ወዘተ ክኸውን ከሎ : በ'ንጻሩ ኻኣ ቀልጢፉ ዝሓርቅ : ስሱዕ: ቀልጢፉ ትዕግስቱ ዝውድእ : ተጻዋርነት ዘይብሉ :ኣነነት ዘጥቅዖ : ተጠራጣሪ : ቂምታ ምስ ሓዘ ዘይገድፍ : ሓሳድ : ቀናእ : ምስጢር ዘይሕሉ ....... ወዘተ እዚ ዓይነት ባህሪያት ኣብ ሓዳር ዓቢ ግደ ስለ ዝጻወት: ግሉጽነት ይሃሉ ወይ ኣይሃሉ ኢልካ ኣብ ውሳኔ ቅድሚ ምብጻሕ: ተፎጥራዊ ጠባያትን ባህርያትን ኣብ ግምት እንተ ኣትዩ : ጉሉጽነት ምስ መንን መዓስን ክትግበር ከም ዘለዎ ብንጹር ክፍለጥ ይኽእል ።
ስለዚ ኣብ ሓዳር ግሉጽነት ክህሉን ከይህሉን ንምውሳን ብመጀመርያ እዘን ሓሙሽተ ክፋላት ናይ ሓዳር ተራ ብተራ ክንሪአን ወይ ክንርደአን ይግባእ :-
ቀዳማይ ናይ ሓዳር ዓይነት
ብትእዛዛት ናይ ረቢ ተቀይዶም ኣብ ተግባር ዘውዕሉን ዝከባበሩን ተሰታቲሮም ዝነብሩን
ፍርሒ ረቢ ዘለዎም ኣብነታውያን ስድራ ቤት እንተ ኾይኖም ኣብ ሞንጎኦም ፍጹም ጉሉጽነት ክህሉ ይግባእ : ስለዚ ብተቅዋ ወይ ብፍርሂ ረቢ ዝተሃንጸ ገዛ ግሉጽነት ይጠጠዖ'ምበር ኣይጎድኦን'ዩ ::
ካልኣይ ናይ ሓዳር ዓይነት
ኣብ ዲኖም መጠነኛ ኢልቲዛም ዘለዎም ኮይኖም : ኣብ ሓዳሮም ግን ብክብ ዝበለ ሓላፍነትን ብምዕቡል ምሕደራን ፍቅርን ምክብባርን ተመስረተ ሓዳር እንተ ኾይኑ : ኣብ ሞንጎኦም ግሉጽነት ክህሉ ይግባእ : ረቢ ጽላሉ ከምብረሎምን ክባርኸሎምን ካኣ ኢማኖም ዝያዳ ንኸኸውን ክጽዕሩ ይግባእ :
ሳልሳይ ናይ ሓዳር ዓይነት
ሓደ ካብ ተጻመድቲ መንገዱ ዝሳሓተን ሓላፍነት ዘይስከምን እንተ ኾይኑ : ትዕግስትን ተጻዋርነትን ከም ዓቢ መሳርሒ ተጠቂምካ : ተስፋ ከይቆረጽካ እናመኸርካ ኣብ ቁኑዕ ክትመልሶ ትጽዕር : ኣብ ከም'ዚ ዓይነት ሓዳር ጉሉጽነት ኩነታትካ እናገምገምካ'ዩ ውሳኔ ዝውሰድ : ምስጢር ወይ ወስያ እንተ'ሎ ግን ካብ ደቅኻ እቲ ዝለበመ ወይ ካብ ቤተሰብ ዝተኣምነ እንተ ኣካፈልካ ይምረጽ :
ራብዓይ ናይ ሓዳር ዓይነት
ተጻመድቲ ካብ ዲኖም ዝረሓቁን: ናይ ሓዳር ሓላፍነት ዘይግድሶምን ክብደቱ ዘይርደኦምን እንተ ኾይኖም : ቤተሰቦም ወይ ብጾቶም ናብ ቅኑዕ መስመር ንኽመልስዎም ይጽዕሩ : ሓላፍነትካ ዘይምኽባርን ዘይምሕላውን ኣብ ቅድሚ ረቢ ከም ዘሕትትን ምዝኽኻር : ንብረቶምን ገንዘቦምን ዕደኦምን ብኑጹር መዝጊቦም ንዝኣምንዎ ቤተሰቦም ክህብዎም ምምዓድ ::
ሓምሻይ ናይ ሓዳር ዓይነት
ኣብ ምዕራብ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሓዳር ግሉጽነት ክህሉ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ ሓዳር ዓይነታት ምስ ኩነታቶም ዝመሳሰል መሪጾም ክጥቀሙሉ ይኽእሉ'ዮም : ኣብ ምዕራብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰብ ሓዳር ፍሉያት ዝገብሮም : ብኢስላማዊ ሸሪዓ ናይ ሚራስ ኣገባብ ክጥቀሙ መንግስቲ ስለ ዘይተፍቅድን :ብሕጊ ናይ'ቲ ዝቅመጥሉ ሃገር ክቅየዱ ግዱዳት ስለ ዝኾኑን እዩ:: ስለዚ ኣቀዲሞም ንብረቶምን ገንዘቦምን በቲ ረቢ ዝኣዘዞ ናይ ሚራስ ኣገባብ ጽሒፎም ከቀምጡ ወይ ንጠበቃ ጽሒፎም ኣብ ዕላዊ መዝገብ ክዕቅቦ ምሕባር : ምእንቲ ኣብ ቅድሚ ረቢ ተሓተቲ ከይኮኑ :
ንሰብ ሓዳር ኣዝዩ ኣገዳስ ለበዋ
ሰብ ሓዳር ብዘየገድስ ብከመይ ይነብሩን ይረዳድኡን : ዝኾነ ዕዳ ይውሓድ ይብዛሕ : ወይ ዘለቅሕዎ ንብረት ወይ ተቀበልዎ ሕድሪ (ኣማና) ኣብ መዝገብ ብጽሑፍ ከየስፈሩ : ወይ ንእሙናት ፈተውቶም ከይሓበሩ እንተ ሞይቶም ነፍስ ኣል ሙእምን ኣብ ዕዳኣ ተንጠልጢላ ትጸንሕ ክሳብ ዕዳኣ ትኸፍል :
( عن أبي هريرة رضي الله عنه أن النبي صلى الله عليه وسلم قال: «نفس المؤمن معلقة بدينه حتى يُقضى عنه» [1]
ስለዚ ልቃሕካ ወይ ንብረትካ ወይ ገንዘብካ ወይ ተቀበልካዮ ናይ ሰብ ሕድሪ ወይ ዘለቃሕካዮ ሰብ ብንጹር ጽሒፍካ ወይ ንተኣምኖ ስብ ብቃልካ ነጊርካ ተዳሊኻ ክትጸንሕ ብቁርኣንን ሱናን ተረጋገጸ ስለ ዝኾነ : ናይ ለባማት ስራሕ ክንሰርሕ ረቢ ይሓግዘና: ሎሚ ብሂይወት ከለና ግዜ ከለና ንድሕሪ ሞት ንዳሎ:
ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣገደስቲ ነጥብታት ክንስንደን ዘብቃዓና ብናትኩም ዘይሕለል ንጡፍ ተሳታፍነትን ተወፋይነትን ስለ ዝኾነ ብስመይን ብስም ኣማሓዳሪት ኮመመ ልባዊ ምስጋናይ እናቅረብኩ : ጻማኹም ኣብ ረቢ ይጽናሕኩም : ካብ መኣዲ ኼር ኣይፍለኹም እናበልና መእኽትና ኣብዚ ንድምድም ።
Comments