top of page
Search

ኣብ ሞንጎ ሰብ ሓዳር ኣብ ንብረትን ገንዘብን ወዘተግሉጽነት ክህሉ ጥቕሙ’ዶ ይመዝን ጉድኣቱ ?



ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን  ጉሉጽነት  ምስ ዝህሉ ጥራሕ'ዩ  ዕውት ሓዳር  ክምስረት ዝካኣል  ዝብል ርእይቶ ጸብለል ዝበለ ኮይኑ እንተተራእየ'ውን : ኣብ'ዚ መደምደምታ ንምብጻሕ ግን ሓያሎ መሰናኽል ክስገር ከም ዘለዎ'ውን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓቢሮም'ዮም :  ወዲ ሰብ ተፈላለየ ተፎጥራዊ ጠባያትን ባህሪያቱን ዘለዎ ስለ ዝኾነ ከም  ንኣብነት ሩህሩህ : ለጋስ : ትዕግስተኛ ንሰብ ኼር ዝፍቱ :እሙን : ሙሳምሕ ወዘተ ክኸውን ከሎ : በ'ንጻሩ ኻኣ ቀልጢፉ ዝሓርቅ : ስሱዕ: ቀልጢፉ ትዕግስቱ ዝውድእ : ተጻዋርነት ዘይብሉ :ኣነነት ዘጥቅዖ : ተጠራጣሪ : ቂምታ ምስ ሓዘ ዘይገድፍ : ሓሳድ : ቀናእ : ምስጢር ዘይሕሉ ....... ወዘተ  እዚ ዓይነት ባህሪያት ኣብ ሓዳር ዓቢ ግደ ስለ ዝጻወት:   ግሉጽነት ይሃሉ ወይ ኣይሃሉ  ኢልካ  ኣብ ውሳኔ ቅድሚ ምብጻሕ: ተፎጥራዊ ጠባያትን ባህርያትን ኣብ ግምት እንተ ኣትዩ  : ጉሉጽነት ምስ መንን መዓስን ክትግበር ከም ዘለዎ ብንጹር ክፍለጥ ይኽእል ።

 

ስለዚ ኣብ ሓዳር ግሉጽነት ክህሉን ከይህሉን ንምውሳን ብመጀመርያ  እዘን ሓሙሽተ ክፋላት ናይ ሓዳር  ተራ ብተራ ክንሪአን  ወይ ክንርደአን ይግባእ  :-

 

ቀዳማይ ናይ ሓዳር ዓይነት

ብትእዛዛት ናይ ረቢ  ተቀይዶም  ኣብ ተግባር ዘውዕሉን ዝከባበሩን ተሰታቲሮም ዝነብሩን

ፍርሒ ረቢ ዘለዎም ኣብነታውያን ስድራ ቤት  እንተ ኾይኖም ኣብ ሞንጎኦም ፍጹም ጉሉጽነት ክህሉ ይግባእ : ስለዚ ብተቅዋ ወይ ብፍርሂ ረቢ ዝተሃንጸ ገዛ ግሉጽነት ይጠጠዖ'ምበር ኣይጎድኦን'ዩ ::

 

ካልኣይ ናይ ሓዳር ዓይነት

ኣብ ዲኖም መጠነኛ ኢልቲዛም ዘለዎም ኮይኖም : ኣብ ሓዳሮም ግን ብክብ ዝበለ ሓላፍነትን ብምዕቡል ምሕደራን ፍቅርን ምክብባርን ተመስረተ ሓዳር   እንተ ኾይኑ : ኣብ ሞንጎኦም ግሉጽነት ክህሉ  ይግባእ : ረቢ ጽላሉ ከምብረሎምን ክባርኸሎምን ካኣ ኢማኖም ዝያዳ ንኸኸውን ክጽዕሩ ይግባእ  :

 

ሳልሳይ ናይ ሓዳር ዓይነት

ሓደ ካብ ተጻመድቲ መንገዱ ዝሳሓተን ሓላፍነት ዘይስከምን እንተ ኾይኑ : ትዕግስትን ተጻዋርነትን ከም ዓቢ መሳርሒ ተጠቂምካ  : ተስፋ ከይቆረጽካ እናመኸርካ ኣብ ቁኑዕ ክትመልሶ ትጽዕር :  ኣብ ከም'ዚ ዓይነት ሓዳር  ጉሉጽነት ኩነታትካ እናገምገምካ'ዩ ውሳኔ ዝውሰድ : ምስጢር  ወይ ወስያ እንተ'ሎ ግን ካብ ደቅኻ  እቲ ዝለበመ ወይ ካብ ቤተሰብ ዝተኣምነ እንተ ኣካፈልካ ይምረጽ  :

  

ራብዓይ ናይ ሓዳር ዓይነት

ተጻመድቲ ካብ ዲኖም ዝረሓቁን: ናይ ሓዳር ሓላፍነት  ዘይግድሶምን ክብደቱ ዘይርደኦምን  እንተ ኾይኖም  : ቤተሰቦም ወይ ብጾቶም ናብ ቅኑዕ መስመር ንኽመልስዎም ይጽዕሩ : ሓላፍነትካ ዘይምኽባርን ዘይምሕላውን  ኣብ ቅድሚ ረቢ ከም ዘሕትትን ምዝኽኻር : ንብረቶምን ገንዘቦምን  ዕደኦምን  ብኑጹር መዝጊቦም  ንዝኣምንዎ ቤተሰቦም ክህብዎም ምምዓድ ::

 

ሓምሻይ ናይ ሓዳር ዓይነት

ኣብ ምዕራብ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር  ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሓዳር ግሉጽነት ክህሉ  እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ ሓዳር ዓይነታት  ምስ ኩነታቶም ዝመሳሰል መሪጾም ክጥቀሙሉ ይኽእሉ'ዮም : ኣብ ምዕራብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰብ ሓዳር ፍሉያት ዝገብሮም : ብኢስላማዊ ሸሪዓ ናይ ሚራስ ኣገባብ ክጥቀሙ መንግስቲ ስለ ዘይተፍቅድን :ብሕጊ ናይ'ቲ ዝቅመጥሉ ሃገር ክቅየዱ ግዱዳት ስለ ዝኾኑን እዩ:: ስለዚ ኣቀዲሞም ንብረቶምን ገንዘቦምን በቲ ረቢ ዝኣዘዞ ናይ ሚራስ ኣገባብ ጽሒፎም ከቀምጡ ወይ ንጠበቃ ጽሒፎም ኣብ ዕላዊ መዝገብ ክዕቅቦ ምሕባር : ምእንቲ ኣብ ቅድሚ ረቢ ተሓተቲ ከይኮኑ :

 

ንሰብ ሓዳር ኣዝዩ ኣገዳስ ለበዋ

ሰብ ሓዳር ብዘየገድስ ብከመይ ይነብሩን ይረዳድኡን  : ዝኾነ ዕዳ ይውሓድ ይብዛሕ : ወይ ዘለቅሕዎ ንብረት ወይ ተቀበልዎ ሕድሪ (ኣማና) ኣብ መዝገብ ብጽሑፍ ከየስፈሩ : ወይ ንእሙናት ፈተውቶም ከይሓበሩ እንተ ሞይቶም  ነፍስ ኣል ሙእምን ኣብ ዕዳኣ ተንጠልጢላ ትጸንሕ ክሳብ ዕዳኣ ትኸፍል :  

‎( عن أبي هريرة رضي الله عنه أن النبي صلى الله عليه وسلم قال: «نفس المؤمن معلقة بدينه حتى يُقضى عنه» [1]

ስለዚ ልቃሕካ ወይ ንብረትካ ወይ ገንዘብካ ወይ ተቀበልካዮ ናይ ሰብ ሕድሪ ወይ ዘለቃሕካዮ ሰብ ብንጹር ጽሒፍካ ወይ ንተኣምኖ ስብ ብቃልካ  ነጊርካ  ተዳሊኻ ክትጸንሕ ብቁርኣንን ሱናን ተረጋገጸ  ስለ ዝኾነ : ናይ ለባማት ስራሕ ክንሰርሕ ረቢ ይሓግዘና: ሎሚ ብሂይወት  ከለና ግዜ  ከለና ንድሕሪ ሞት ንዳሎ:

 

ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣገደስቲ ነጥብታት ክንስንደን ዘብቃዓና ብናትኩም  ዘይሕለል ንጡፍ ተሳታፍነትን ተወፋይነትን ስለ ዝኾነ ብስመይን ብስም ኣማሓዳሪት ኮመመ  ልባዊ ምስጋናይ እናቅረብኩ : ጻማኹም ኣብ ረቢ ይጽናሕኩም : ካብ መኣዲ ኼር ኣይፍለኹም   እናበልና መእኽትና ኣብዚ ንድምድም ።  

 

 
 
 

Comments

Rated 0 out of 5 stars.
No ratings yet

Add a rating

Get in Touch

Contact us for more information or any suggestions.

123-456-7890

  • Facebook
  • Twitter
  • LinkedIn
  • Instagram

Terms & Conditions

Privacy Policy

Contact us

bottom of page