ሰላማዊ ዝምድና
- Editor
- Feb 14
- 1 min read
ሰላማዊ ዝምድና
ካብ መውስቦ እኮ'ዩ ዝምድና ዝብገስ
ይፋረ ይቅጽል. ዘርኢ ይወራረስ
ይብርክት ይራባሕ ጨናፍር ይዝርጋሕ
ብትእዛዝ ናይ ጎይታ ክቅየድ ክምራሕ
ምጥርናፍ ቤተሰብ ንሓዞ ብመደብ
ብፍቅሪ ንህነጾ ዝምድናዊ መርበብ
ሕድሪ ናይ ነቢና ከይዕንቀፍ ከይስንከል
ትእዛዝ እናኣኽበርና ኣሰሮም ንከተል
ሳዕቤኑ ከይከፍእ ቂምታታት ኣይንዝራእ
ቅርሕንቲ ዝሓዘ ትውልዲ ክይትካእ
ብሰላም ብልዝብ ጸገማትና ንፍታሕ
ርክብና ክድልድል ኣጅርና ክራባሕ
ብዪቅሬታ ምሕላፍ ውላድና ክላመድ
ጉድለቱ ክጽግን ክዋሰብ ክጻመድ
ብፍቅርን ርህራሄን ይቀራረብ ዘመድ
ኣርኣያ ክኸውን ንሓድሽ ዝውለድ
ይቋረጽ ደው ይበል ዝወራረስ ጽልኢ
ዘጸይፍ ተግባር'ዩ ምብልሻው ዘርኢ
ሕድገታት ትማሃር ነላምዳ ነብሲ
ብሓባር ንእለዮ ዝምድና ዝሃሲ
ሓማት ትኹን ንዕልቲ ዘማ ይኹን ሓሞ
ሰበብ ከይንኸውን ከይነፍርስ ህድሞ
ርክብ ዝዓናቅፍ ሓቢርና ንግጠሞ
ፍቅርናን ስኒትናን ንጸላኢ ይግረሞ
ካልእ ጸገም ኣሎ ዝምድና ዝበትኽ
ፈውሲ ዝተሳእኖ ናይ ውርሻ ህልኽ
ሓው ንሓው ክባኣስ ክካስስ ክቃተል
ሰይጣናዊ ውዲት ክፋሓስ ክፍተል
እጃም ናይ ወረስቲ ስርዓት ዝሓለወ
ኣብ ቁርኣንን ሱናን ፍታሕ እናሃለወ
ብሃንደስቲ ተንኮል ሓቂ ክ'ጠዋወ
ይኣክል ስሰዐ ስድራ ቤት ዘዕነወ
ዘደንጹ ዶ ኣይኮነን ግርጭት ወረስቲ
ብነጻ ረኺቦም ናይ ወለዶም ርስቲ
ምንክርታት ምምራጾም ፈቀዶ ቤት ፍርዲ
ቀሲኖም ከይበልዑ ናይ ብላሽ መኣዲ
ብውርሲ ተባእሰ ይታዓረቅ ሎሚ
ንነብሱ የዳሉ ሰናይ መዛዘሚ
ዝተጎድአ ስድራ ቁስሉ ንኽፍወስ
ብግፍዒ ተወስደ ኣብ ቦትኡ ይመለስ
መጻኢ ትውልዲ ብኣና ክሕበን
ታሪኽና ክጽብቅ ክናኣድ ክምስገን
ዝምድናና ይኹን ናይ ሰላም መዕልቦ
ሓድነትና ይጽናዕ ፍቅሪ ይደራረቦ
ጌጋ እናኣረመ ዝፈርድ ብልክዕ
ዝምድናዊ ርክብ ዘማዕብል ዘጠጥዕ
ምኽሪ እናለገሰ ዘመድ ዘሰማምዕ
ምልክት ዓወት'ዩ ድሕሪ ሞት ዘኹርዕ
Comments