top of page

ዛዕባ ኮመመ
ኮመመ ኣብ ትሕቲ ጽላል መታዓብይቲ ዓባይ ኣኽርያ ኮይኑ፦
ተልእኾ
ንኤረትራውያን እስላም ብምጽማድ ጡጡሕ ባይታ ምፍጣርን ዑውትን አፍራይን ዜጋ ምምስራት እዩ።
ራእይ
ሕብረተሰብና ኣብ ፈቀዶ ዓለም ብስራሕን ብኻልእ ምኽንያታትን ተገዲዱ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ክነብር ስለ ዝጀመረ ፣ ብተፈላለየ ምኽንያታት ናይ ዘይምጽማድ ተርእዮታት እናበዝሐ ስለ ዝኸደ ፣ ነዚ ኣስጋኢ ኩነታት ንምግጣም ፣ ኣብ ፈቀዶ ሃገር ዝርከቡ ኣሕዋትና ኣሓትናን ብናይ ብዙሃን መራኸቢ መርበባት እናተጠቀምና ርክባትና ብምድልዳል ፣ በ’ዛ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰት ኮሚቴ መጻምድቲ መርዓ (ኮመመ) ኣማእከልነት ፣ ዘይተጻመዱ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናጻመደት ፣ ዑውትን ቀጻልን ሓዳር ክምስረት ምኽርን ምንቅቃሕን እናሃበት፣ ጸገማት ሕብረተሰብና ብምቅላል ፣ ጥርንፉን ምዕቡልን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ተበገሰት ኮሚቴ’ያ።
ዕላማ
ብመርዓ ንዘይተጻመዱ ኣሕዋትን ኣሓትን እናራኸብካ ምጽማድ መጻምድቲ ቅድሚ ብወግዓዊ መርዓ ምትእስሳሮም ፣ መምሪሒኦም ቁርኣንን ሱናን ምዃኑ ምዝኽኻር፣
ዕዉት ሓዳር ውጽኢት ናይ ምጽውዋርን በጃ ምትሕልላፍን ምትሕልላዪን ከም ዝኾነ ምምካር፣ ብስነ ጽሑፍን ብድምጽን ንዘይተጻመዱን ንሰብ ሓዳርን ኣብ ፍትሕ ዝወደቁን ዝጠቅም ምኽርታት ምትሕልላፍ ጠንቅታት ናይ ዘይምጽማድ እናጽናዕካ ፍታሕ ምንዳይ።
bottom of page